id
stringlengths
70
70
text
stringlengths
80
38.3k
char_count
int64
80
38.3k
topic
stringclasses
9 values
issue_date
timestamp[s]date
2025-11-01 00:00:00
2026-04-25 00:00:00
source_pdf
stringclasses
63 values
page_start
int64
1
12
page_end
int64
1
12
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04118
ጋንታ ኤርትራ ተዓዊታ፣ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ጋንታ ኤርትራ ተዓዊታ፣ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ዓሊ፡ ብልሒ መስመር መጥቃዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓሊ፡ ብልሒ መስመር መጥቃዕቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ተባዕትዮ ኤርትራ፡ ትማሊ ሰሉስ ንኢስዋቲኒ ኣብ ካልኣይ እግሪ ቅድመ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 2ብ1 ብምርታዕ፡ ናብ ናይ ምድብ መጻረዪ ግጥማት ዋንጫ ኣፍሪቃ ሓሊፋ። ንዕረፍቲ ከኣ፡ 0ብ0 ወጺአን። ናይ ውሽጢ ሃገር ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ምስቶም ...
1,166
sport
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
11
11
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04119
ዙር ዞባ ማእከል 2026 ናይ ደቂ ተባዕትዮ፡ ትማሊ ሰሉስ ብናይ በረኻ ውድድር ካልአይቲ መድረኽ ኣሰላሲሉ። ሱራፍኤል ተስፋጼንን ድሕሪኡ ኣትዮም፡ ሰለስተ፡ ክልተን ሓደን ነጥቢ ተማቒሎም። 20 ተቐዳደምቲ ሒዛ መዛዘሚ በጺሓ ቅጽበታዊ ውድድር ካብ ዝገበረት ጉጅለ ድማ፡ ተቐዳዳማይ ኣስቤኮ ፋኑኤል ሰለሙን ንናኦድ በረኸት - ሰምበል ከምኡ’ውን ኬቨን ተኽለማሪያም ኣስቤኮ ረቲዑ፡ ቀዳማይ ኣትዩ። ንፍታሌም ኤፍሬም - ደንደን፡ ኤፍሬም እስቲፋኖስ - ሰምበል፡ ሮቤል ሃብተማርያም ጋንታ ደቡብ፡ ስዒቦም ክሳብ ሻዱሻይ ...
1,281
sport
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
11
11
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04120
ዝነበረት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ 2ብ1 ስዒራ። በዚ ድማ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ብናይ ክልተ እግሪ ውጽኢት፡ ብድምር 4ብ1 ተዓዊታ። “ንሃገረይ ብሸቶይ ከሕልፋ እየ” ዝበሎ ቃሉ ዘተግበረ ኣብ ቀዳማይ እግሪ ሓንቲ ሸቶ ኣቑጺሩ ዝነበረ ዓሊ ከኣ፡ ንሰለስተአን ኣመዝጊቡወን። ክቀባበሉ ክትዕዘቦም፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሓደ ዝተጻወቱ እምበር፡ ናይ ሓጺር ግዜ ጥርናፈ ዘለዎም ኣይመስሉን። ከምቲ ኣብ ሊጋት ኤውሮጳ ዘሎ ስታስቲካዊ ሓበሬታ ኣይርከብን ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ዝነበሮ ልክዕነቱ ዝሓለወ ምቅብባል ኵዕ...
1,746
sport
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
11
11
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04121
ስፖርታዊ ውድድራት ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ቀጺሉ። ስፖርታዊ ውድድራት ኣብያተ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ቀጺሉ። ኣብ ኵዕሶ እግሪ ካልኣይ ደረጃ ዕድመ 15ን ትሕቲኡን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣስመራ ሓፈሻዊ ኣብ ኵዕሶ እግሪ ካልኣይ ደረጃ ዕድመ 15ን ትሕቲኡን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣስመራ ሓፈሻዊ ንልምዓት 3ብ0፡ ርእሲ ዓዲ ንኢብራሂም ሱልጣን ከምኡ’ውን ደንደን ንባርካ ብተመሳሳሊ ንልምዓት 3ብ0፡ ርእሲ ዓዲ ንኢብራሂም ሱልጣን ከምኡ’ውን ደንደን ንባርካ ብተመሳሳሊ 4ብ...
968
sport
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
11
12
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04122
ንሱ ወሲኹ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኢራን ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ምስ ሃገሩ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ እንተ ዘይክኢላን ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብቕጽበት እንተ ዘይከፊታቶን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ክሳብ ሕጂ ብዕላማ ዘይተተንከፉ ዘለዉ ትካላት መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ዒላታት ነዳዲ፡ ደሴት ካርክን ትካላት መጻረዪ ማይን ኢራን መጥቃዕቲ ክካይድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ምስ ኣመሪካ ኣብ ስምምዕ እንተ ዘይበጺሓ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ጨዋም ማይ ባሕሪ እናጻረዩ ንሚልዮናት ሰባት ጽሩይን ...
620
politics
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
12
12
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04123
ባይቶ እስራኤል፡ ብዝፈጸምዎ ቅትለት ኣብ ወተሃደራዊ ኣብያተ ፍርዲ ናይታ ሃገር ፍርዶም ንዝተቐበሉ ፍልስጤማውያን ብማሕነቕቲ ዝቐጽዕ ሕጊ ኣጽዲቑ። ዝተሃንደሰን ምዃኑ ገሊጹ። እስራኤል፡ ብቕትለት ገበነኛ ኮይኑ ንዝተረኽበ ሰብ ብሞት ዘቕጽዕ ሕጊ ኣብ 1954 ከም ዝሰረዘቶ እዮም ጸብጻባት ዘመልክቱ። ፕረዚደንት ማሕሙድ ዓባስ ወሲኹ፡ እቲ ሕጊ፡ ፍልስጤማውያን፡ ምብራቕ ኢየሩሳሌም ርእሰ ከተማኣ ናጻ ሃገር ንምምስራት ካብ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ከም ዘየተዓናቕፎም ድማ ኣገንዚቡ። ብደረጃ ዓለም፡ ኣስታት 54 ሃገራ...
766
politics
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
12
12
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04124
ዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ ማእከላይ ክፋል ሀይቲ (ዞባ ኣርቲቦናይት) ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ብውሕዱ 70 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ካልኦት 30 ድማ ከም ዝቖሰሉ፡ ሓደ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ። እቲ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ወሲኹ፡ በቲ መጥቃዕቲ ከባቢ 6 ሽሕ ነበርቲ ካብ መረበቶም ከም ዝተመዛበሉ ኣነጺሩ። ሓበሬታ ድማ፡ ዝሓለፈ ሰንበትን ሰኑይን፡ መንነቶም ዘይተፈልጡ ዕጡቓት ጉጅለታት ናብ ገጠራት ናይቲ ዞባ ብምእታው፡ ብርክት ዝበሉ ኣባይቲ ብሓዊ ከም ዘቃጸሉ ገሊጾም። ነበርትን ሰበ ስልጣንን ና...
772
society
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
12
12
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04125
መብዛሕትኦም ካብቶም ኣብ ጀርመን ዕቑባ ተዋሂቡዎም ዝነብሩ ዘለዉ ሶርያውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ውሽጢ’ዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ዓመታት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ምዃኖም፡ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝ ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ሶርያ ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ከም ዝተመሓየሸ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሃገሩ ኣብ ድሕነት ስደተኛታት እትኽተሎ ቅጥዒ ዳግማይ ክግምገም ኣተሓሳሲቡ። ንሱ ወሲኹ፡ ክእለት ዘለዎም ሶርያውያን ኣብ ዳግመ ህንጸት ሃገሮም ልዑል ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰለስተ ...
866
politics
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
12
12
0a56e8ae5b3834917ec3496c6e67fe520624af08462b2e0e68d356562cd5f16e:04126
ብዓል መዚ ሃገራዊ ምሕደራ ሓደጋ ኣፍጋኒስታን ኣብ መግለጺኡ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ናይታ ሃገር ዝርአ ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ኣየር፡ ተወሳኺ ባህርያዊ ሓደጋ ከየስዕብ ስግኣት ከም ዘሎ ኣጠንቂቑ። ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ሓደጋታት ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን፡ ብውሕዱ 45 ሰባት ከም ዝሞቱ ተሓቢሩ። ፓኪስታን ብወገና፡ ብሓደጋታት ዕልቕልቕን ምህማም መሬትን፡ ኣብ ክፍለ ሃገር ‘ኪበር ፓክቱንክዋ’ 17 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት 56 ድማ ከም ዝቖሰሉ...
641
society
2026-04-01T00:00:00
haddas_eritra_01042026.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04127
ብምኽትል ሚኒስተር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ምትሕብባርን ሚስ ኣና ታንዲ ሞራካ ዝተመርሐ ልኡኽ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ትማሊ 31 ጥቅምቲ ኣብ ዞባ ደቡብ ናብ ዝርከብ ልምዓታዊ ቦታታት ዑደት ኣካዪዱ። እቲ ልኡኽ ብኣካያዲ ስራሕ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ኤርትራ ሜጀር ክብረኣብ ኣብርሃም ተመሪሑ፡ ኣብ ፕሮጀክት ሕርሻ ሓልሓለ ንዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ልምዓት - ማለት ኣእካል፡ ፍረታትን ምርባሕ ናይ ጸባ ከብትን ተዓዚቡን ብክኢላታት መግለጺ ተዋሂብዎን። ልኡኽ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃ ብተወሳኺ፡ ዲጋ ምስላም በ...
778
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
1
1
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04128
ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ብ27ን 28ን ጥቅምቲ ኣብ ንኡስ ዞባታት ተሰነይን ሃይኮታን ኣብ ልምዓታውን ድሕነታውን መደባት ዘተኰረ ሰሚናር ንደቂኣንስትዮ ኣካዪዳ። ንተሳትፎ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘመጐሰት ወ/ሮ ተኽኣ፡ ኣብ’ዚ ህልው መድረኽ’ውን ብዝለዓለ ውዳበ ንምዕዛዙ ክሰርሓ ከምዘድሊ ኣገንዚባ። ዝውጠን መደባት ብዘይተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ኣድማዕነቱ ድሩት ምዃኑ፡ ኣብ ሓርነታዊ ቃልስን ምውሓስ ልኡላውነትን ንዝነበረ ተራአን ብምጥቃስ፡ ኣብ ምድንፋዕ ልምዓታዊ መደባ...
1,384
society
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
1
1
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04130
ኢትዮጵያ ስለምንታይ ትሓልም ኢልና እነልዕሎ ተቓውሞ የብልናን። ሕልሚ ናይ ኢትዮጵያ ክንፈትሕ’ውን ግዴታ የብልናን። እዚ ኩሉ ቁሊሕሊሕ፡ ሃረምረም፡ ሃነፍነፍ ካብ ምንታይ እዩ፧ እዛ ሃገር ብሓቂ ድያ ብመኣዳ ክትጸግብ ዘይከኣለት፧ መኣዳ ዝባርኸላን ዝቕድሰላን ድያ ስኢና፧ ዋላ ብሓቂ ስእነት ኣለዋ እዩ፧ ልሂቃን ኢትዮጵያ ደቂሶም ተንሲኦም ባሕርን ዓሰብን ዝብሉ ዘለዉ እንታይ እዮም ኮይኖም፧ ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ንቡር’ዩ። እቲ ስርዓት እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ፧ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ...
1,831
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
2
2
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04131
እታ ብብዝሒ ህዝቢ፡ ብጂኦግራፍ፡ ብታሪኽ፡ ዝምክሑላ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢድ ብልጽግና ካብ እትኣቱ ደቒቓን ተናዒቓን ትርከብ። ኩሉ ከም ዝዕዘቦ ዘሎ ትድሀ እምበር ዘይትስማዕ፡ ትጐራፈጥ እምበር ዘይተድምዕ ሃገር ኮይና ኣላ። እቲ ስርዓት “ወትሩ ሕሙም መን ይበጽሖ፡ ወትሩ ድኻ መን የለቅሖ” ከም ዝበሃል ምስናይ ገጢምዎ ዘሎ ቅልውላው ‘እንታይ ተረኽበ፧’ ኢሉ ዝበጽሖ ስኢኑ በይኑ ይጽለል ኣሎ። ስርዓት ብልጽግና ኣብ ዑና ናይቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ስርዓታት እዩ ቆይሙ። ኣብ ስንብታ ኢህወደግ ከኣ ኣርኪቡስ ተሳቲፉ’ዩ...
1,157
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
2
2
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04134
ዮሴፍ ሃይለማርያም ምሉእብርሃን ሃብተገብርኤል ተስፋኣለም የማነ ሙሴ ገ/እግዚኣብሄር ቍ.ስ 201820 (250) ፋክስ. 127749 - ቍ.ሳ.ጶ. 247 ብልጽግና ካብ ታሪኽ ኣገዳሲ ምህሮ ዘቚቑ ኣይክእልን ደኣ ኮይኑ እምበር፡ ቅድሚኡ ዝነበሩ ስርዓታት ብዛዕባ ኤርትራን ባሕራን፡ ካብዚ ዝገብሮ ዘሎ ንላዕሊ ዲግ ኢሎም ተማጒቶምን ተዋጊኦምን እዮም። እንትርፎ ሞትን ዕንወትን ግን ዝሓፈስዎ የለን። ፍትሓዊ ሕቶ ህዝብታት ኢትዮጵያ ንምጭፍላቕ ዝመረጽዎ ጎደና’ውን ተመሳሳሊ ለይ-ኣውት ፍርቱና ኤፍሬም ትንሱእ ፍስሃየ ...
339
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
2
2
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04135
ምዝርጋሕ ጋዜጣ ቍ.ስ.113395-07588045 ምልክታ ቍ.ስ. 125013 - ቍ.ሳ.ጶ. 1284 ዘለና ነጥብታት ከነቕርብ ኢና። ንዝሰፍሐ ዞባ ከኣ ክትጸሉ ከም ትኽእል ተፈሊጣ’ኳ እንተኾነት፡ ነቶም ነዚ ሓቂ’ዚ ምቕባል ዘይተግሁ ኣካላት ንኽቕበልዎ ብመልክዕ ወፈራ ክንጒስጒሰሉ ዘለና ዕማም’ዩ። ክሳብ ሕጂ፡ ልኡላውነትና ንምሕላው/ንምጽናዕ ከምኡ’ውን ንናይ ኢትዮጵያ ቶኽታዂ፡ ዘይሕጋዊ፡ ህርፋን ብብቕዓት ንምምላስ ዲፕሎማሲ፡ ሕጊ፡ ህዝባዊ ምንቕቓሕ፡ ንጡፍ ዝምድና/ጽምዶ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ምክያድ፡ ዞባዊ...
1,863
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
2
2
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04136
O9፡00 ሃገራዊ መዝሙር 09፡05 ሃሎ ቆልዑ 09፡40 ዶክመንታሪ 10፡35 ፓኖራማ 11፡00 ለሰ ስፖርት 12፡30 ዜና (ትግርኛ) 12፡55 ጉዳይ ኣብ ዘተ 13፡30 ዜና (ዓረብ) 13፡45 መልሲ ኣብ መስመር 14፡30 ናትራን 17፡00 መደብ ኣከባቢ 17፡35 መደብ ሳይዳ 18፡35 ደረትቃና 20፡00 ዜና (ትግረ) 20፡15 ፊልም ዳምር 21፡00 ዜና (ትግርኛ) 21፡25 ተክ-ኢንሳይት 22፡00 ዜና (ዓረብ) 22፡10 ደርፊታት 22፡30 ዜና (እንግሊዝ) ሓዳስ ኤርትራ መበል 35 ዓመት ቁ.53 1 ሕዳር 2...
330
culture
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
2
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04137
ህይወት፡ መስርዕ ግድል’ያ፣ ግድላ ክትፈትሕ ከኣ ጥበብ የድሊ። ጥበብ ካብ ብዙሕ ክጥረ ይከኣል። ኣብየተ ትምህርቲ ነዚ ዘየዕርፍ ግድላት ህይወት ንምፍታሕ ጥበብ ካብ ዘዕጥቕ ኣካላት’ዩ። ዝዓበየ ሸነኹ ከኣ ብቝጽሪ ኣቢሉ ይምህሮ። ቍጽሪ፡ መፍትሕ ግድላት ህይወት’ዩ። ቍጽሪ ብኣገባብ፡ ፍቕርን ኣድህቦን ምስ እንምሃሮ እምበኣር፡ ጥብበ ኣፈታትሓ ግድላት ህይወት ከም ምዕጣቕ ክሕሰብ ይከኣል። ከምቲ ኣብ ኣካዳምያዊ ትምህርትና እንዕዘቦ፡ ግድላት ዝያዳ ኵሉ ዓይነታት ትምህርቲ፡ ኣብ ቍጽሪ ኢና እንረኽቦ። ቍጽሪ - ...
1,353
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04138
- ናብቲ ናይ መወዳእታ መልሲ ዘብጽሓኒ ካልእ ክምልሶ ዘሎኒ ሕቶ ኣሎዎ ድዩ? ብዙሕ እዋን ግድል ወይ ሕቶ ቅድሚ ምጅማርካ ክትርድኦ ኣሎካ፣ ርዱእ። ከም ንባብ ኣንብብ ምስ ኣበልናዮ መልእኽቱ ርዱእ’ዩ፣ ምናልባት መምህራንና ከምኡ ክብሉና ከለዉ እውን ምርድኡ ቀሊል እዩ፣ ስለ ዝተረዳእናዮ ግን ኣብ ተግባር ከምኡ ዘይክንከውን ንኽእል ኢና። ‘ግድል ክትርድኦ ምኽኣል’ ዝብል ኣምር፡ ማለቱ ንኽንፈልጦ ቀሊል እዩ። ኣብ ኣፈታትሕ ግድላት ግን ኣዝዩ ወሳኒ ነጥቢ’ዩ። ኣብ ተዋሂቡ ዘሎ ግድል ዘሎካ መረዳእታ ዘዕቢ ሕ...
586
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04139
1. ንመጽናዕቲ ክትብገስ ክትሓስብ እንከለኻ ዝቀላቐለካ ተጻራሪ ሓሳብ ቀልጢፍካ ኣለሊኻ ሰዓሮ። “ጽባሕ ከምዚ እንተ ኰነኸ?” እናበልካ ናይ ዝመጽእ ፍርሒ ኣይሓዝካ። እቲ ዝጀመርካዮ ኣብ ዝመደብካዮ እዋን ወድኣዮ። ገለ ጠባያትካ ንእተመዝግቦ ነጥቢ ክሃስዮ ይኽእል እዩ። ድኻም፡ ስልቻወ፡ ዝያዳ ምዝንጋዕ ምድላይ፡ ኵሉ ሳዕ ዝመላለሰና ስምዒታት እዩ። ካብዚ ስምዒታት ዘርሕቐካ ጥበባት - ከም ስፖርት፡ ተወሳኺ ንጥፈታት ቤት ትምህርቲ፡ ምክንኻን ኣግራብ፡... ዝኣመሰለ ንጥፈታት ኣናዲ። ኖት ክትሕዝ ፈትን። እቲ ...
1,306
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04140
ብፍላጥ ይዅን ብዘይ ፍላጥ፡ ግድላት ክንፈትሕ ኣብ እንፍትነሉ፡ እእምሮና ነዚ ሕቶታት ኣብ ካልኢት ዘይበጽሕ ግዜ ይበጽሖ እዩ። ኵሉ እንሓስቦን እንገብሮን ብንቕሓት፡ ኣእምሮና እንታይ ይግበር ኣሎ ብምርዳእ፡ ንኸዶ እንተ ኣለና ኣመና ውጽኢታውን ተዘካርን እዩ። ብተወሳኺ፤ ምልምማድ፡ ደጋጊምካ ምልምማድ፡ ቀዳማይ ስነ ምግባር ቍጽሪ እዩ። ኵሉ ብምልምማድ ናብ ምልኣት ይበጽሕ’ኳ እንተዀነ፡ ኣይከም ኣብ ቍጽሪ ንርኸቦ ምልኣትን። ኣብ ናይ መዓልታዊ መጽናዕትና እዋን፡ እዚ ሕቶታት ብተደጋጋሚ ክንለማመዶ የድልየና። ...
576
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04141
ግድላት ብስእሊ ክንርእዮ ንፈትን። ንግድላት፡ ብሕንጻጻትን ስእልታትን ብምውካል፡ ነቲ ኣብቲ ግድል ተኻቲቱ ዘሎ ሓበሬታ ክንርድኦን ዝጐድሎ ዘሎ ወይ እንሕተቶ እንታይ ምዃኑ ንኽንፈጥን ሓጋዚ እዩ። ኣብዚ ቀዳማይ መድረኽ ዘገልግሉ ገለ ጥበባት ንመልከት፤
157
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04142
ምቕጃል፡ ኣብ ኣእምሮኻ ስእሊ ምፍጣር ማለት እዩ። ተወሂቡና ዘሎ ግዳላት፡ ኣብ እእምሮና ብምስኣል ክንርድኦ ንፈትን። ብፍላይ ብምሉእ ሓሳባት ዝወሃብ ናይ ቍጽሪ ግድላትን ንምርዳእ እዚ ጥበብ’ዚ ዝያዳ ሓጋዚ እዩ። ልክዕ ከምቲ ብቘልዑትና እንከለና፡ “ክልተ ኣራንሺ ነይረናኻ፣ እታ ሓንቲ ምስ በላዕካያ ክንደይ ይተርፋኻ?” ምስ ተባሃልና፡ ኣእእምሮና እንቕጅሎ ኣራንሺ’ዩ። 1- ብዓውታ ምንባብ ስርዓተ ትምህርትና ብቛንቋ እንግሊዘኛ ዘምህር ካብ ኮነ፡ ኣብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ዘሎና ዓቕሚ ዝተደረተ እንተ ኰይኑ፡ ኣ...
786
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
3
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04145
- Albert Einstein ንትምህርቲ፡ ምህዞ፡ ርኽበትን ሓፈሻዊ ህይወትን ዝገልጽ ጥቕሲ ንትምህርቲ፡ ምህዞ፡ ርኽበትን ሓፈሻዊ ህይወትን ዝገልጽ ጥቕሲ ሓዳስ ኤርትራ 1 ሕዳር 2025 - ገጽ 4 መበል 35 ዓመት ቁ.53
138
other
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
3
4
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04146
ሚኒስትሪ ሕርሻ ሚኒስትሪ ሕርሻ ጉድኣት ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣብ ሕርሻዊ እቶት ጉድኣት ሳገምቲ ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣብ ሕርሻዊ እቶት ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ስድራ ናይ ፕሎሲዴ (Plocedae)ዝተባህላ ደቀቕቲ ኣዕዋፍ እየን። ኣዕዋፍ ኴላ-ኴላ ኣብ ኣስታታ 25 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ሓውሲ ምድረ- በዳ፡ ናይ ሳዕሪ ቦታታትን ጀቕጀቕ ጫቃታታን ይርከባ። ካብ 300-900 ሚ.ሜ ዝርግሕ ዝናብ ኣብ ዘሎዎ ኢኮሎጂ ይመርጻ። ዝርግሐአን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ደቡባዊ ሳሃራ ከምኡ’ውን ካብ ሶማልያ ክሳብ ሰኔጋል ይበጽሕ...
2,810
economy
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
4
4
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04147
ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምትሕብባር ዝዳሎ ዓምዲ - ንሕቶን ርእይቶን በዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ተወከሱ ጨ/ህዝባዊ ርክባት፦ ቁ.ስልኪ 182225/08371501- ቁ.ሳ.ፖ 1048 (ለይ-ኣውት- ፋጥማ እስማዒል/ ሶፍያ ፍቓዱ)
135
health
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
4
4
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04148
ሰፈርረን ብግቡእ ምልላይ፡ ካብ ነበርቲ ሓረስቶትን ጓሶትን ሓብሬታ ምእካብን ኣብ ምቹእ ልሙዕ መዕረፊ ቦታታት ብተደጋጋሚ ፈተሻ ምክያድን የድሊ። ብሰንኪ ስፍሓት ቦታ ወይ ዘይምቹኡነት ቦታ ብኣጋርን መኪናን ዳህሳስ ንምክያድ ኣጸጋሚ ኲነት ምስ ዝኽሰት ድማ ብነፋሪት ምስልሳል ተመራጺ ይኸዉን። ኣዝዩ ከቢድ ዕንወት የኸትላ። ኴላ- ኴላ ናይ በረኻ ሳዕሪ፡ ሩዝ፡ ዳጉሻ፡ መሸላን ብልቱግን ከም ቀንዲ መግበን ይጥቀማሉ። ሓንቲ ንጽል ኴላ-ኴላ ካብ 3-5 ግራም እኽሊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ትምገብ። ኣብ መስርሕ ምምጋብ ድ...
2,189
economy
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
4
5
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04149
ሃ.ማ.መ.ተ.ኤ. ምኽሪ ብተሌፎን ካብ ዝጅምር፡ ብዙሓት መንእሰያት ተጠቐምቲ ናይ’ዚ ኣገልግሎት ኮይኖም ኣለዉ። ንኡስ ዓምዲ “ሕቶ ሸባብ” እምበኣር ንገለ ካብ’ቲ ብቑጽሪ ስልኪ 124256 ወይ ብቑ.ሳ.ጶስጣ 1042 ናብ “ሆት ላይን” ዝቐርብ ሕቶታት እያ እትምልስ። ሕቶ ሸባብ ሕቶ ሸባብ ደዋሊ፥ ሄለው፡ ምኽሪ ብተለፎን ድዩ? ኣማኻሪ፥ ጽቡቕ ኣለኻ፡ መን ክብል? ካበይከ ትድውል ኣለኻ? ደዋሊ፥ ኣዝመራ እብሃል፡ ካብ ጾሮና’የ ዝድውል ዘለኹ። ኣማኻሪ፥ ሕራይ ኣዝመራ፡ እንታይ ክሕግዘካ? ደዋሊ፥ ኣነ፡ ሓደ ካብ...
5,806
society
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
5
6
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04154
General Information and other requirements:  Place of Work: AMSC Sites  Type of contract: Indefinite Period  Salary: As per the Company salary scale Additional requirements for Nationals: • Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense. • Pres...
1,233
economy
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
6
6
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04155
ወ/ሮ ምልእተ ገብረእግዚኣብሄር ዓንደሚካኤል፡ ብዓል ቤተይ ኣስፈሃ ተወልደ ንጉሰ ስለዝዓረፈ፡ ንዓይ ናይ መጻምዲ መሰለይ ይተሓለወለይ፡ 8 ደቁ ድማ ወረስቲ ምዃኖም ይረጋገጸሎም ስለ ዝበለት፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ን18/11/25 ኣብ ቤ/ፍ 9ይ መጋባእያ ቁ.32 ይቕረብ። 1ይ ቤት-ፍርዲ መቐርካ ዮርዳኖስ ተወልደ ተኽላይ፡ ተጸዋዒ መርሃዊ ሓጎስ ፍስሓጼን፡ ናይ ሓዳር ክሲ ቀሪቡልካ ስለ ዘሎ፡ ብኣካል ወይ ብሕጋዊ ወኪል ን5/11/25 ኣብ ቤ/ፍ ቅረብ። እንተዘይቀሪብካ፡ ጉዳይካ ኣብ ዘየለኻሉ ክረአ ምዃኑ ነፍልጥ።...
334
society
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
6
6
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04156
ኣመልካቲ ተኸስተ ኢያሱ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንበል ጎደና 835-19 ዝርከብ ገዛ ASP00036421 ASD00030839 ስፍሓት መሬት 120ት/ሜ ብዝሒ ክፍሊ ቀንዲ4 ተሓጋገዝቲ 2 ዘጠቓለለ ኣብ ቤት/ጽ ካዳስተር ብቑጽሪ መዝገብ 1ARASM­ Mo19677 ብሽም ኣውራሲና ነ/ሄር ኢያሱ ገብረማርያም ዝተመዝገበ ገዛ፡ ናብ ወረስቲ ከነመሓላልፎ ስለ ዝደለና፣ ዝቃወም እንተሎ፡ ካብ ዝምልከቶ ቤት ፍርዲ፡ ሕጊ ብዝእዝዞ መሰረት መአገዲ ወይ ይግባይ ተባሂሉሉ እንተኾይኑ ናይ መወዳእታ ውሳነ ሒዙ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኖታዮ ...
340
society
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
6
6
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04159
Asmara Mining Share Company is inviting applicants for the follow­ ing position; Laboratory Maintenance Technician Number required – (01) Type of contract – Indefinite Major Duties and responsibilities • The laboratory maintenance technician candidate is responsible for the maintenance and repair of laboratory equipmen...
5,084
economy
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
7
7
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04160
መጽሓፍ ፊደላተይ፡ ንተመሃሮ ቅድመ ትምህርትን ቀዳማይ ክፍልን እተገልግል ናይ ቋንቋ ትግርኛ መጽሓፍ፡ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሓትልኩም ኣላ። እዛ ቀዳሞት ፊደላት ትግርኛ (ግእዝ) ዝሓቘፈት መጽሓፍ፡ ንተማሃሮ ስእላዊ መግለጽን ቀለልቲ ኣብነትታት ዘሰነየት ኮይና፡ ተማሃሮ ብዝቐለለ መገዲ ቋንቋ ትግርኛ ክመሃሩ ተገልግል። መጽሓፍ ፊደላተይ፡ ኣብ ካሪክለም ኤርትራ ምርኵስ ብምግባር ዝተዳለወት መምሃሪት መጽሓፍ መምህራንውን ከም መምሃሪ ቋንቋ ክጥቀሙላ ይኽእሉ። ቋንቋ ትግርኛ፡ መፍትሕ ናይ ኵለን ዓይነታት ትምህርቲ ስለ...
523
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
7
7
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04162
ናጽነት ደስበለ - ሓበን ገብረኣምላኽ - ሳምራዊት መለስ ናጽነት ደስበለ - ሓበን ገብረኣምላኽ - ሳምራዊት መለስ ASMARA MINING SHARE COMPANY Abo Street, No. 178, House No. 16 Gejeret, P.O. Box 10688 Tel. ++291-1-153986 Asmara, Eritrea
193
economy
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
8
8
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04168
General Information and other requirements:  Place of Work: AMSC Sites  Type of contract: Definite Period (2 years)  Salary: As per the Company salary scale Additional requirements for Nationals: • Having fulfilled his/her National Service obligation and provide evidence of release paper from the Ministry of Defense...
1,193
economy
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
8
9
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04169
ሰመረ፡ ገጹ ኣሲሩ ንሳይሞን ኣብቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ መስትያት ረኣዮ። ሳይሞን ነቲ ኣብ መስትያት ዝነበረ ምስሊ ናይ ሰመረ እናጠመተ ፍሽኽ ብምባል፡ ናብቲ ኣብ መንደቕ ኣብ ቅድሚ ሰመረ ዝነበረ ፖስተር ኣመልኪቱ ብኣጻብዕቱ ቝጽሪ ክልተ ንኽቅምቀም ኣመልከተሉ። “ሓቅኻ ንኣኻ መስሓቕ እንድየ ኮይነልካ ዘለኹ። ደሓን እዚ’ውን ክሓልፍ እዩ።” “ሕጂ ሰብ ይመጽእ ኣሎ። ብሓደ ክንሰኣል ኢና፡” ሳይሞን ክስኣሉ ስለ ዝመደበ ሓበሮ። “ንምንታይ ክኸውን?” “እንድዒ እቲ ዝለኣኸኒ ምስ ተቐምቀመ ስኣሎ ኢሉኒ እዩ። ስለ...
750
culture
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
9
9
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04170
ሳይሞንን ሰመረን ተሓቛቝፎም ክሰኣሉ ድሉዋት ኮኑ። እቲ መንእሰይ፡ ‘ከምዚ በሉ ከምቲ ኣባ፡’ እናበለ ሓሙሽተ ስእሊ ሰኣለ፣ እተን ክልተ ምሉእ ስእሊ ክኾና ከለዋ፡ እተን ሰለስተ ድማ ካብ መዓንጣ ንላዕሊ ነበራ። ስኢሉ ምስ ወድአ ታብለት ንሳይሞን ኣቐቢሉ መገዱ ቀጸለ። ሳይሞንን ሰመረን ነዚ ዝሰኣሎም ብሓባር ኣመስጊኖም ናብ ገዛውቲ ሳይሞን መረሹ። ኣብ መገዲ ብዛዕባ ኵዕሶ ከዕልሉ ጀመሩ። ክልቲኦም ደገፍቲ ኣርሰናል ስለ ዝኾኑ ንተጻወትቲ ኣርሰናል እናወደሱ፡ ንተጻወትቲ ሊቨርፑል እናነቐፉ፡ ኣብ መንጎ እናተኻ...
1,555
culture
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
9
9
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04171
ቅድመኦም ኮይኑ መጽሓፍ ከንብብን ምስኦም ብሓባር ከዕልልን ምኽኣሉ፡ ዓቢ ጽልዋ ዘሕድረሎም ብምዃኑ እቲ ተበግሶ ክምጐስ ዝግብኦ እዩ። እቶም ተመሃሮ ድማ
95
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
9
9
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04172
ንባብ፡ ህይወት ሰብ ክልውጥ ዝኽእል ሓይሊ ኣለዎ። ተመሃሮ ኣብ ንኡስ ዕድመኦም ፍቕሪ ንባብ ክሓድሮም ይግባእ። ኣብ መንጎ ዘንብብን ዘየንብብን ተመሃራይ ዘሎ ፍልልይ ዓቢ እዩ። ዘንብብ ተመሃራይ ብዙሕ ፍልጠት ይምእርር። ጽግዕተኛ ናይ መምህሩ’ውን ኣይከውንን። ስለዚ’ዩ ድማ ብቐጻሊ ተመሃራይ ናይ ንባብ ልምዲ ከጥሪ ኣለዎ ዝበሃል። ብ23 ጥቅምቲ፡ ኣብ ኣስመራ ኣብ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ተኽሊ፡ ንኦሎምፒካዊ ተቐዳዳማይ ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ቢንያም ግርማይ ብምዕዳም ናይ ንባብ መደብ ተኻይዱ። ኣብቲ ኣ...
796
education
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
9
10
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04173
ኣብ ዝተፈላለዩ ሕብረተሰባት፡ ዝዓበየ ውጽኢት መውስቦ ወይ መርዓ ውላድ ምርካብ እዩ። መጻምድቲ፡ ከከም’ቲ ዝውጥንዎ መደብ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ወይ ዝተናውሐ ግዜ ክወልዱ ይኽእሉ። ኣብ ከም ሕብረተሰብና ዝኣመሰለ፡ ኣብ መንጎ ብመውስቦ ዝምስረት ዝምድናታት ዝተኣሳሰረን ጥቡቕ ባህርያት ዘለዎን ድማ፡ ሕቶ ወሊድ ብወገን ናይ ክልተኦም ተጻመድቲ ከም ቀንዲን ኣገዳስን ኣምር ዝለዓል እዩ። ብልምዲ፡ ሕብረተሰብ ኣብ ዘይወሊድነት ወይ ጸገማት ፍርያምነት ብሓፈሻ ዘለዎ ኣረኣእያ፡ ብባህላዊ እምነታት፡ ማሕበራዊን ጥዕናዊን ...
5,564
health
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
10
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04174
ሃገራዊ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ምስ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብምትሕብባር፡ ንስርዓተ ኣመጋግባን ዓይነታት መኣዛዊ መግብታትን ዝትንትን ኣስተምህሮ፡ ብክኢላ መኣዛዊ መግብታት ኣቶ ሕሩይ በረኸት ካብ ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ንኣትለታትን ኣሰልጠንትን ኣብ ኣዳራሽ ሃገራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ኤርትራ ኣስተምህሮ ሂቡ። እቲ ኣስተምህሮ ኣብ ምልላይ ዓይነታት መኣዛዊ መግቢ ንኣትለታት ዘለዎም ዝተፈላለየ ጥቕሚታት፡ ሓደ ኣትለት ቅድምን ድሕርን ውድድራትን ኣብ ግዜ ጽዑቕ ልምምድን ክወስዶ ዘለዎ መኣዛታትን፡ ከምኡ’ውን ሓፈሻዊ ዕሙቕ ዝበለ ሓ...
478
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04175
ኣሰልጠንቲ፡ ኣትለታቶም ኣብ ዝህልዎም ኣመጋግባ ብስነ-ፍልጠት ዝተደገፈ፡ ነቲ ዘለዉዎ ዓይነታት ልምምድን ውድድርን ንምድላው ኣዝዩ ጠቓሚ ኣስተምህሮ ምዃኑ እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ
117
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04176
ኣርጀንቲናዊ ኣጥቃዓይ ክለብ ቸልሲ ኣሌሃንድሮ ጋሪናቾ ኣብ ንእስነቱ ዝጸንከረ ኩነት የሕልፍ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ካብ ማን.ዩናይትድ ናብ ቸልሲ ድሕሪ ምግዓዙ፡ ዝበለጸ ቅዲ ኣጸዋውታኡ ዳግማይ ከመስክር ተተስፍዩ እዩ ነዛ ዓመተ ጸወታ ፈሊምዋ። ይኹን እምበር ኣብተን ፈላሞት ኣዋርሕ፡ ኩነታት ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ኮይኑ። ብዝሒ ነቐፌታታት ኣብ እንግሊዝን ኣርጀንቲናን ኣብ ልዕሊ ጋሪናቾ እናበርከተ ይመጽእ ኣሎ። ድማ፡ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ። ክምለስ ሰብ ክሕግዞ ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ፈለማ እዋን ዝነበረ ትሕትና...
1,404
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04177
ስድራቤት ፎደን፡ ናብ ናይ ሕጊ ትካልን ጉጅለ ክኢላታት ሕግን ብምቕራብ፡ ነቲ ብኽፋእ ዝተሃንደሰ ናይ ሓሶት ትሕዝቶ ካብ ኩሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክእለን፡ ብቀንዱ ድማ ንሰለስተ ህጻናት ደቆም ንምክልኻልን ንምውጋድ እዚ ጉዳይ ህዝባዊ መግለጺ ክወጽእን ጠሊቦም ኣለዉ። መሲሉ ብምቕራቡ፡ ብዙሓት ሰዓብቱ ክኣምኑ ምኽንያት ኮይኑ’ዩ። ኣከፋፋሊ ማን.ሲቲ ፊል ፎደን ምስ ስድራኡ፡ ግዳይ ብሰብ-ሰርሖ ብልሒ (ኣርተፊሻል ኢንተሊጀንስ) ዝተፈነወ ናይ ሓሶት ዜና ኮይኑ። ቴክኖሎጂ ኣብ ካልኢታት ዘእምን ሓሶት ክፈጥር ኣብ...
1,114
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04178
ተሰሊፉ ተጻዊቱ’ዩ። ሩኒ ኣብት ዘካየዶ መደብ፡ ምስ መን ክጻወት ከምዝፈቱዎ ምስ ተሓተተ፡ “ካርሎስ ቴቨዝ፡ ምስ ካርሎስ ምጽዋት ብጣዕሚ ደስ’ዩ ዝብለኒ። ምስ ኩሎም ምጽዋት ደስ ይብለኒ ነይሩ፡ ምሳና ክፍርም ከሎ፡ ክልተ ሓደ ስለዝኮና ብሓደ ክንጻወት ኣይንኽእልን ኢና ይብል ነይረ። ሓይልን ጎነጽን ዝዓብለሎ ጸወታ ኢና ንጻወት ነይርና፡ ውህደት ነይርና’ዩ። ሓደ ካባና ቁጽሪ ትሽዓተ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ቁጽሪ 10 ማልያ ወዲና ንጻወት ነይርና፡ ፍሉይ ዝገብሮ ግን ንሜዳ ተካይርና ኢና ንኣቱ ነይርና። ብፍሉይ ን...
499
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04179
ሩኒ ን13 ዓመታት ኣብ ሜዳ ኦልድትራፎርድ ድሕሪ ምጽዋት፡ ኣብ 559 ጸወታታት 253 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ክለብ ናይ ኩሉ ግዜ መሪሕ ኣመዝጋቢ ሸቶ ተሰምዩ። ሎሚ ሎሚ ፕሪመር ሊግ ፕሪመር ሊግ ክሪስታል ፓላስ - ብረንትፎርድ 6:00 ድ.ቀ ኖቲንግሃም - ማን.ዩናይትድ ምስ ማ.ዩናይተድ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሩኒ፡ ካብ 2007-2009 ኣከታቲላ ሰለስተ ጽዋእ ፕሪመርሊግ ዝወሰደቶ ደሚርካ ሓሙሽተ ዋናጩ ፕሪመርሊግ፡ ኣብ 2008 ጽዋእ ሻምፕዮንስሊግን 2017 ድማ ጽዋእ ሊግ ኤውሮፓን ከዕትራ ኽኢሉ...
1,004
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
11
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04180
ሰንበት ሰንበት ፕሪመር ሊግ ፕሪመር ሊግ ዌስትሃም - ኒውካስል 5:00 ድ.ቀ ማን.ሲቲ - ቦርንማውዝ 7:30 ድ.ቀ ሳንደርላንድ - ኤቨርተን 11:00 ድ.ቀ ላሊጋ ሰልታ ቪጎ - ለቫንተ 4:00 ድ.ቀ ኣላቨስ - እስጳኞል 6:15 ድ.ቀ ባርሴሎና - ኢልች 8:30 ድ.ቀ ርያል ቢትስ - ማሎርካ 11:00 ድ.ቀ ሩኒ ኣብ ዩናይትድ ምስ ብዙሓት ናይ ምጥቃዕ ተውህቦታት ዘለዎም ተጻወቲ ከም ክርስትያኖ ሮናልዶን ዲሚታር በርባቶቭን ሰኑይ ሰኑይ ኦሳሱና - ኦቪዶ 11:00 ድ.ቀ 1 ሕዳር 2025 - ገጽ 12 መበል 3...
330
sport
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
11
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04181
ፈደረሽን ሩስያ፡ ኣመሪካ ነቲ ኣብ 1996 ዝኸተመትሉ ‘ግዜያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ንዩክሌሳዊ ፈተነ’ እንተ ደኣ ጥሒሳቶ፡ ዝመጣጠኖ ግብረ መልሲ ክትህበሉ ክትግደድ ምዃና፡ ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ሓቢሩ። ኣመሪካ ፈተነ ንዩክሌሳዊ ኣጽዋር ከተካይድ እንተ ደኣ ወሲና፡ ሃገሩ’ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ኣነጺሩ ኣሎ። ዝሓለፈ ሓሙስ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ሃገሩ ብመዳይ ምዕባለ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምስ ከም ፈደረሽን ሩስያን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን ዝኣመሰላ ሃገራት መታን ክትወዳደ...
559
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04182
ህንዲን ኣመሪካን፡ ኣብ ዝቕጽሉ 10 ዓመታት ኣብ ምክልኻል ዘለወን ምትሕብባር ንምስፋሕ ዘኽእለን ስምምዕ ከም ዝኸተማ ተሓቢሩ። ክልተአን ሃገራት ኣብ ምክልኻል ዘለወን ዝምድና ብቐጻሊ የዕብያኦ ከም ዘለዋ እዮም ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ዝሕብሩ።
150
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04183
ጸሓፊ ክፍሊ ውግእ ፒት ሄግሰት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ኤክስ’ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ንዘሎ ምውህሃብ ሓበሬታን ቴክኖሎጂያዊ ምትሕግጋዝን ንምዕባይ፡ ከምኡ’ውን፡ ዞባዊ ምርግጋእ ንምፍጣር ዓሊሙ ከም ዝተኸተመ ገሊጹ። እቲ ስምምዕ፡ ብጸሓፊ ክፍሊ ውግእ ኣመሪካ ፒት ሄግሰትን ህንዳዊ መዘናኡ ራጅናዝ ሲንግን ኣብ ከተማ ኩዋላ ላምፑር - ማሌዥያ ከም ዝተኸተመ ዝሓለፈ ለካቲት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ናብ ኣመሪካ ብምኻድ ምስ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዘካ...
568
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04184
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ዓባስ ኣራግቺ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ክፍሊ ውግእ ሃገሩ ንዘመሓላለፎ ንዩክሌሳዊ ፈተነ ብቕልጡፍ ናይ ምጅማር ትእዛዝ፡ ዘይሓላፍነታዊ ክብል ኮኒኑዎ። ብንዩክሌሳዊ ጸዓት ዝሰርሕ ዝተራቐቐ ሮኬትን ክሩዝ ሚሳይላትን ኣብ ፈተነ ከም ዘውዓለ ምሕባሩ ሮይተርስ የመልክት። ክብላ እንከለዋ፡ ሩስያ ከኣ ካብቲ ሽዑ ተቐቢላ ዘጽደቐቶ ውዕል ኣብ 2023 ከም ዝሰሓበት፡ ምንጭታት ይሕብሩ።
265
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04185
ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና እውን፡ ዝሓለፈ መስከረም ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ኣዝዩ ዝተራቐቐ ንዩክሌሳዊ ሚሳይላት ንምርኢት ኣቕሪባ ምንባራ፡ ሮይተርስ ወሲኹ ይጠቅስ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ‘ትሩዝ ሶሻል’ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ክፍሊ ውግእ ሃገሩ ንዩክሌሳዊ ፈተነ ዳግማይ ብቕልጡፍ ንኽጅምር ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ምሕባሩ ይዝከር። ዩክሬን፡ ኣብ ዝቕጽል ኣርባዕተ ዓመታት ምስ ፈደረሽን ሩስያ ኣብ እተካይዶ ኲናት ንኽትሰርር፡ ኣስታት 400 ቢልዮን ዶላር ፋይናንሳዊ ድጋ...
1,495
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04186
ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ምክልኻል ህንድን ፈደረሽን ሩስያን፡ ሓደስቲ መዳያት ወተሃደራዊ ምትሕብባር ንምድህሳስ፡ ከምኡ’ውን ናይ ነዊሕ እዋን ወተሃደራዊ ምሕዝነቶም ንምጥንኻርን ዝዓለመ ርክብ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኒውደልሂ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ። ህንዲ፡ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዛ፡ ካብ ፈደረሽን ሩስያ ዝተራቐቑ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ክትሽምት ከም ዝጸንሐት፡ ጸብጻባት የመልክቱ። ዝሓለፈ መጋቢት፡ ህንዲ ምስ ኣብ ምስናዕ ኣጽዋር ዝነጥፍ ሩስያዊ ኩባንያ ‘ሮሶቦሮንኤክስፖርት’ ናይ 248 ሚልዮን ዶላር ውዕል ክትክትም...
752
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12
89db85e02dacbc69929f75fce687b2a9944498221694eeb4af9bfcec9b836466:04187
ቤልጂዩም ደስኪሉ ዝርከብ ገንዘብ ፈደረሽን ሩስያ ካብ ምጥቃም ዝሓልፍ ካልእ ኣማራጺ ከም ዘይብለን ገሊጻ። ሩስያ ብመልክዕ ልቓሕ ንዩክሬን ክወሃብ ምስ ዝውሰን፡ ነቲ ዝስዕብ መዘዝ ኩለን ኣባላት ናይቲ ሕብረት ሓላፍነት ክወስዳሉ ከም ዝግባእ ምትሕስሳቡ ዝዝከር እዩ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣባላት ሕብረት ኤውሮጳ ንምወላ ኲናት ዩክሬን ኣመልኪተን ኣብ ዘካየዳኦ ኣኼባ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቤልጅዩም ባርት ደ ዌቨር፡ እቲ ኣብ ሃገሩ ደስኪሉ ዝርከብ ንብረት (ገንዘብ) ፈደረሽን ድሕሪ መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ባርት ደ ዌ...
378
politics
2025-11-01T00:00:00
haddas_eritra_01112025.pdf
12
12